ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ዩኒቨርሲታትን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታትን ኣብ ምምሃር ተጸሚዶም ዝርከቡ ሰባት፡ ብዙሓት እዮም። ገለ ካብዚኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ብቐጥታ ኣብዚ ደረጃ ምምሃር ዝጅምሩ። ገሊኦም ከኣ፡ ንዝተወሰን ግዜ ድሕሪ ምስራሕ፡ ሓድሽ ፍልጠት ንምቕሳም ካብ ዝብል፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ምምሃር ይጅምሩ። ኣብ ሽወደን፡ ዕድመ፡ ቀቢላውን ማሕበራውን ድሕረ-ባይታ፡ ኣካላዊ ስንክልና ወይ ውን ጾታዊ ዝምባሌታት ብዘየገድ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኹሉ ክፉት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ`ዩ፡ ዩንቨርሲታትን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብየተ-ትምህርታት ሽወደን፡ ብብዙሕነት ናይተን ሓቊፈንኦም ዝርከባ ተመሃሮ ዝልለያ። ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ሽወደን ዝውሕዙ ዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ውን፡ ብዙሓት እዮም። 

ናይላዕለዋይደረጃቤት-ትምህርትን፡ክትመሃርዎዝደለኹምትምህርትንምረጹ

ኣብ ሽወደን፡ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ኣስታት 50 ዩኒቨርሲታትን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታትን ኣለዋ። መብዛእሕትአን ካብዚኣተን መንግስታውያን ክኾነ እንከለዋ፡ ገለ ውሑዳት ከኣ ትካላዊ-ተቕዋማት እየን። ኩለን እዘን ዝተጠቕሳ ዩኒቨርሲታት ነቶም ኣብአን ትምህርቶም ዝወድኡ ተመሃሮ ምስክርነት ዝተጠናቐቐ ትምህርቲ ይህባ እየን። ዓይነታዊ-ትሕዝቶ ናይቲ ዝህብኦ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኸኣ፡ ብመንግስታዊ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-ወንበር ዪኒቨርሲታት (Universitetskanslersämbetet (UKÄ) ዝተሰምየ መንግስታዊ በዓል-መዚ ቊጽጽር ይካየደሉ።

ኣብ ሽወደን፡ ዩኒቨርስትን ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ኣለዉ። ንዩኒቨርሲቲ ካብ ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝፈልዮ ነገር ከኣ፡ ዩኒቨርሲቲ ኩሉ ግዜ መጽናዕታዊ ትምህርቲ (ናይ ዶክትረይት መዓርግ ትምህርቲ) የአንግድ ምዃኑ እዩ። ማእከላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ውን ኣቭ ውሱን መጽናዕታዊ ሜዳታት መጽናዕታዊ ትምህርቲ ከአንግዳ ዘኽእለን ፍቓድ ክረኽባ ይኽእላ እየን። 

እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትመሃሩ ትመርጹ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድዩ ወይሲ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃሩ ትደልዩ ዝብል ሕቶ፡ እንታይ እዩ እቲ ነዓኹም ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ኣብ ዝብል ዝተሰረተ እዩ። ኣብ ግምት የእቲኹም ክትሓስብሉ ዘለኩም ነገር፡ ኣብ እገለ ዩኒቨርሲቲ ወይ ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ኮርሳት ኣሎ፡ ግዝፊ ናይ’ቲ ማእከል ትምህርቲ፡ ኣበይ ይርከብ ካልእ ኣገዳሲ ትብልዎ ነገርን ዝድህስስ ክኸውን ኣለዎ። ገለ ዩኒቨርሲቲታን ማእከላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን፡ ኣብ ከም ስነ-ጥበብ ወይ ቴክኒንክ ዝኣመሰለ ውሱን ዓውዲታት፡ ትምህርቲ ዘተኰራ እየን። ኮይኑ ግን፡ መብዛሕትአን ዩኒቨርሲቲታን ማእከላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን፡ ብዙሕ ዓውዲታት ትምህርቲ ዝሓቆፈ ናይ ትምህርቲ መደባት ኣለወን።

እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ውን ሞያ ክትመሃሩ ትደልዩ ዝኾነ ኣምር ምስዘይህልወኩም፡ ኣብዚ ገጽ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ Studera.nu ብምእታው፡ ዜነቃቕሕ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሓበሬታ ግን፡ ብቋንቋ ሽወደን ዝተዳለወ እዩ። ዓይነት ስራሕን ሞያን ንምምራጽ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ውን ሓበሬታ ኣለኩም። እዚ ሓበሬታ`ዚ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ዝቐረበ እዩ።

ናብ መርበብ-ሓበሬታ ስቱደራ-ኑ ንምእታው  (Studera.nu

ናብ መርበብ-ሓበሬታ  ቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንምእታው  (Arbetsförmedlingen)

ግድንድንድዩሽወደናዊዜጋክኸውንዘለኒ?

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ውን ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ሽወደናዊ ዜጋ ወይ ውን ቀዋሚ-ነባሪ ሽወደን ምዃን ግድን ኣይኮነን።

ናይ ምምልካትን ክፍሊት ትምህርትን ካብ ምኽፋል ምእንቲ ክትድሕኑ ግን እዚ ዝስዕብ ምምላእ የድልየኩም፡  

  • ዜጋ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ወይ ውን ዜጋ ናይ ሓንቲ ካብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ (ነርወይ፡ ሌኽተንስተይን፡ ኣይስላድን)ወይ ውን ዜጋ ሃገረ ስዊዘርላንድ ክትኮኑ ኣለኩም።

ወይከኣ

  • ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ወይ ውን ግዝያዊ መንበሪ-ፍቓድ (ግዝያዊ ፍቓድ ግን ብምኽንያት ትምህርቲ ዝተዋህበ  ክኸውን የብሉን)ክህልወኩም ኣለዎ።

ነዚ ነጥብታት`ዚ ካብ ምምላእ ሕድገታት ንምግባር ዘኽእል ፍሉይ ኲነታት ውን ኣሎ እዩ። ብዛዕባ`ዚ ብዝምልከት ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ Antagning.se ኣቲኹም ኣንብቡ።

ካልእናይምምሃርመንገዲታት

ናይ ካልእ ደረጃ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛምኩም ዘሎ ዝቕጽል ኣማራጺታት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ጥራይ፡ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ሞያዊ ቤት-ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ (högskolestudier)፡ ምስ ኣስራሕቲ ብቐረባ ብምውህሃድ፡ ግብራውን ክልስ-ሓሳባውን ትሕዝቶ ዝሓቆፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያዊ-ጽላታት ዝተኮሩ ናይ ትምህርቲ ዕድላት የአንግድ እዩ። ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ www.yrkeshogskolan.se ኣለኩም። ኣብ ህዝባዊ ማእከል ትምህርቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ (folkhögskola)፡ ዝተፈላለዩ ንጽል ኮርሳትን ምሉእ ፕሮግራማትን ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሽወደን፡ ዝተፈላለየ ዓውዲ-ፍልጠት ዝድህስስ ብርክት ዝበለ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዘአንግዳ፡ ኣስታት 175 ህዝባዊ ማእከላት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ኣለዋ።

ብዜካ`ዚ፡ ህዝባዊ ማእከላት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንምምሃር ከም መዳለዊ-መኣዲ ኮይነን ከገልግላኹም ይኽእላ እየን። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ www.folkhogskola.nu ኣለኩም።

Page last updated 2021-11-16